På tigrinja

På tigrinja

ብዘይካ ቋንቋ ኖርወይ ካልእ ተወሳኺ ቋንቋ ዝዛረቡ ሓደስቲ መጻእቲ ተመሃሮ ዝምልከት

ትሮንድሀይም ምስ መጻኹም ውላድኩም ኣየነይቲ ቤት-ትምህርቲ ከም ናቱ ከምትቑጸር ክትፈልጡ ኣለኩም። (ኣብ ከባቢኹም ዝርከብ ቤት-ትምህርቲ/Nærskole)

ነቶም ቤት-ትምህርቲ ተወከሱዎም፡ ንሶም ድማ ትሮንድሀይም ኮሙነ እንታይ ዓይነት ዕድላት ትምህርቲ ከምዘለዎ ክሕብሩኹም እዮም። ውላድኩም ኣብ ከባቢኡ ትርከብ ቤት-ትምህርቲ ክጅምር ይኽእል እዩ ወይ ድማ ንኖርወየኛ ጽቡቕ ጌሮም ዘይመልኩ ተማሃሮ ዝተዋደደ ክፍልታት(mottaksgrupper) ዘለዎ ቤት-ትምህርቲ ክጅምር ይኽእል እዩ። እቲ ኣብ ከባቢኹም ዘሎ ቤት-ትምህርቲ እዩ ምሳኹም ብምርድዳእ ዝበለጸ ፍታሕ እንታይ ከምዝኾነ ዝግምግም።

ሓደስቲ መጻእቲ ተመሃሮ: 1ይ ክፍልን 2ይ ክፍልን: ኣብ ቀረብኦም ዘሎ ቤት ትምህርቲ ይጅምሩ።

ካብ 3ይ ክሳብ 10ይ ክፍሊ ንዘለዉ ሓደስቲ መጻእቲ ተመሃሮ ድማ: ትሮንድሃይም ኮሙነ ኣብ ሓንቲ ካብተን ክሳብ 2 ዓመት መእተውን መላለይን ትምህርቲ ዝህባ ቤት ትምህርትታት ቦታ  ይህቦም።  ኮሙነ ንሓደስቲ ንኡስ ቋንቋታት ዝዛረቡ ተማሃሮ ኣብ ዝተዋደደ ክፍልታት ዘለዎ ቤት-ትምህርቲ ቦታ ይህቦም እዩ፡ ኣብ ከምዚ ዓይነት ዝተዋደደ ክፍሊ ነዊሒ ተባሂሉ ን2 ዓመታት እዮም ክመሃሩ ዝኽእሉ። ውላድኩም ኣብ ከምዚ ዓይነት ቤት-ትምህርቲ ክኣቱ ትደልዩ እንተኾይንኩም እቶም ኣብ ከባቢኹም ዘለዉ ቤት-ትምህርቲ ኣብ ከምኡ ዓይነት ቤት-ትምህርቲ ቦታ ክወሃቦ ምልክታ ይሰዱ። እቲ ምልክታ ብኣሃዱ ጉዳያት ኣተዓባብያን ትምህርትን(Oppvekstadministrasjonen) እዩ ዝውሰን።

ውላድኩም ኣብ ቋንቋ ኖርወየኛ እኹል ክእለት ዘለዎ እንተደኣ ኮይኑ ኣብ ከባቢኹም ዝርከብ ቤት-ትምህርቲ ክጅምር ነማኽረኹም።

ንሓደስቲ ንኡሳን ቋንቋታት ዘለዎም ተማሃሮ ዝተዋደደ ክፍልታት ዘለወን ሸውዓተ ቤት-ትምህርታት ኣለዋ፡ ሓሙሽተ ቤት-ትምህርታት መባእታ ኮይነን(Berg,Bispehaugen,Huseby,barneskole,Ila,Kattem,Lade) ኣብ ማእከላይ ደረጃ ከኣ ክልተ ቤት-ትምህርታት ኣለዋ (Huseby ungdomskoleRosenborgÅsheimን).

ፍሉይ ትምህርቲ ኖርወየኛ

ውላድካ ክሳብ ንሱ ወይ ንሳ ንቡር ምህሮ ክኽተለሉ ዘኽእሎ ኖርወየኛ ዝመልኽ ፍሉይ ቋንቋዊ ትምህርቲ ክወሃቦ መሰሉ እዩ። ፍሉይ ቋንቋዊ ትምህርቲ ክበሃል ከሎ መባእታዊ ትምህርቲ ኖርወየኛ ይወሃቦም ማለት እዩ። ኣብ ገሊኡ ኣጋጣሚታት ብቋንቋ ኣደ ወይ/ድማ ዓይነተ-ትምህርታት(Fag) ብቋንቋ-ኣደ ክመሃሩዎ ውን ይኽእሉ እዮም።እቲ ቆልዓ ነቲ ንቡር ምህሮ ክኽተሎ ዘኽእሎ ኖርወየኛ በጺሑዎ ድዩ ንዝብል ንኽፈልጡ ቤት-ትምህርቲ ብቐጻሊ እዮም ቋንቋዊ ደረጅኡ ዝግምግሙዎ። ውላድካ ኣብ ቋንቋ ኖርወየኛ እኹል ኣፍልጦ ምስ ቀሰመ ፍሉይ ቋንቋዊ ትምህርቲ ክግበረሉ ዝነበሮ መሰል ይእለ እዩ።

እቲ ቤት-ትምህርቲ ኣፍልጦ ኖርወኛ ናይቲ ተማሃራይ ይግምግሞን ይፍትኖን እዩ፡ ሕጊ ምህሮ § 2-8 ተመልከት፡መታን እቲ ቆልዓ ፍሉይ ኣመሃህራ ዘድልዮ እንተኾይኑ ክግምግሙ። ውላድካ ፍሉይ ኣመሃህራ የድልዮ ከምዘሎ እንተደኣ ፈሊጦም ንጽል ውሳኔ ክውስኑ እዮም። ኣብቲ ውሳኔ ድማ ክንደይ ፐርየዳት ከምዝመሃርን እቲ ምህሮ ብኸመይ ይካየድን ክግለጽ ኣሎዎ።

ትምህርቲ ምንባብን ምጽሓፍን ብቋንቋ-ኣደ ንተማሃሮ 1 ይ ክሳብ 3 ይ ክፍሊ

ውላድካ ቋንቋ-ኣዲኡ ጽቡቕ ጌሩ ዝመልኮ እንተኾይኑ፡ ኖርወኛኡ ንኸመሓይሽ ቋንቋ-ኣዲኡ ከም ደገፍ ክጥቀመሉ ይኽእል እዩ። እዚ ማለት ውላድካ ኖርወኛ ንኽመሃር ብቋንቋ-ኣዲኡ ይመሃር ማለት እዩ። መሰል ምህሮ ምንባብን ምጽሓፍን ብቋንቋ-ኣደ ብመሰል ፍሉይ ቋንቋዊ ትምህርቲ ኖርወየኛ ዝተቐየደ እዩ። እዚ ማለት ውላድካ ፍሉይ ኣመሃህራ ኖርወየኛ ንኽወሃቦ ምስ ዝውሰነሉ ጥራሕ እዩ ብቋንቋ-ኣደ ክመሃር ዝኽእል። ምህሮ ምንባብን ምጽሓፍን ብቋንቋ ኣደ ካብቲ ንቡር ሰዓታት ምህሮ ወጻኢ ዝካየድ ኮይኑ ንተማሃሮ 1 ይ ክሳብ 3 ይ ክፍሊ እዩ ዝምልከቶም። እቲ ምህሮ ቋንቋ-ኣደ ዝካየደሉ ቦታ ካብቲ እቲ ቆልዓ ዝመሃረሉ ቤት-ትምህርቲ ወጻኢ ኣብ ካልእ ቤት-ትምህርቲ ክወሃቦ ይኽእል እዩ።

ዓይነተ-ትምህርታት ብክልተ ቋንቋታት ምምሃር ንተማሃሮ 4 ይ ክሳብ 10 ይ ክፍሊ

ኮሙነ ካብ 4 ይ ክሳብ 10 ይ ክፍሊ ዝመሃሩ ተማሃሮ ትምህርቲ ብ ክልተ ቋንቋታት ክመሃሩ ዕድል ይኸፍተሎም እዩ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ሰዓታት ንቡር ምህሮ እዩ ዝካየድ። ዓይነተ-ትምህርታት ብክልተ ቋንቋታት ምምሃር ክበሃል ከሎ ኖርወየኛን ቋንቋ-ኣዲኡን ክልቲኡ ይጥቀሙሉ ማለት እዩ፡ መታን እቲ ቆልዓ ቋንቋ ኖርወየኛን ዓይነተ-ትምህርታትን ክልቲኡ ክመሃሮ።

ትሮንድሀይም ኮሙነ ብክልተ ቋንቋታት ዝምህሩ ኣብ ብዙሓት ዝተፈላለዩ ቋንቋታት መምሃራን ኣለዉዎ። ኣብ ገሊኡ ቋንቋታት እቲ ኮሙነ ብቑዓት መምሃራን ዘይክህልዎ ይኽእል እዩ፡ ከምኡ እንተደኣ ኮይኑ ነቲ ተማሃራይ ትምህርቲ ኖርወየኛ ነበራትዓሉ።

ኣብ ኢንተርነት ዝርከቡ ዝተፈላለዩ ናውትታት ፍልጠት

ትሮንድሀይም ኮሙነ ዘዳለዎም ኣብ ኢንተርነት ዝርከቡ ዝተፈላለዩ ናውትታት ፍልጠት

Sist oppdatert: 08.09.2023

Fant du det du lette etter?

Gå til toppen

arrow_upward